ሽጋራ ምትካኽ ደው ክተብል ትደሊዶ?

እዚ “Sluta-röka-linjen”፡ ንዓኻ - ሽጋራን ካልእ ብትምባኾ ወይ ብ”ኒኮቲን” ዝተሰርሑ ፍርያት ምስታይ ደው ክተብል እትደሊ ሰብ፤ ደገፍን ምኽሪን ዚህብ ትካል’ዩ። ኣሰራርሓና፡ ጭብጢታት ብዘለዎ ኣገባብ ኢና ንጥቀም፥ ማለት፡ ብስነ- ምርምር ዝተደገፈ ሓገዝ ኢና ንገብር። እቲ ንህቦ ኣገልግሎት ብነጻ ዚወሃብ ኰይኑ፥ ንስኻ ውን መንነትካ ምግላጽ ኣይከድልየካን እዩ። ፈተውትን ኣባላት ስድራቤትን፥ ንሓደ ሰብ ብኸመይ ሽጋራ ደው ከም ዘብል ንምሕጋዙ ምኽሪ ንምርካብ ምስ ዝደልዩ፥ ምሳና ርክብ ክገብሩ ዕዱማት እዮም።

ስልኪ ክድወለልካ ትደሊ’ዶ?

ብሓደ ካብ ኣማኸርትና ኪድወለልካ ትደሊ’ዶ፥ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ናይ ርክብ ሓበሬታኻ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ገጽ’ዚ ዘሎ ዚምላእ ኦርኒክ ሓበሬታኻ ክትጽሕፈልና ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ልሙድ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከም ንራኸበካ ክንገብር ኢና። እቶም ኣማኸርትና፡ ሽወደንኛ፡ እንግሊዝኛን ዓርብኛን ቋንቋታት ዝዛረቡ እዮም። ብመብዛሕትኦም ቋንቋታት ውን ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ክነዳሉ ንኽእል ኢና።

ንገለ ሰባት፡ ምሳና ናይ ሓደ ጊዜ ዝርርብ ጥራይ’ዩ ዘድልዮም። ገለ ካልኦት ግን፡ ምሳና ተደጋጋሚ ርክብ ምግባር ይመርጹ እዮም። እዚ ”Sluta-röka-linjen” ዚህቦ ደገፍ፥ ካብቲ ንእዋኑ ዘሎካ ኵነታትን ዘሎካ ኣድላይነትን ዚብገስ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ብዛዕባቶም ሽጋራ ንመሐረሚ ተባሂሎም ዝተዳለዉ - ”መተካእታ-ኒኮቲን” ወይ ፍርያት-መድሃኒታት ውን፥ ናይ ምኽሪ ደገፍ ክንገብረልካ ንኽእል ኢና። ኣስተውዕል! ንሕና ወረቐት ሓኪም ክንጽሕፍ ወይ መድሃኒት ክንእዝዘልካ ኣይንኽእልን ኢና። ንኸምዚ ዓይነት ሓገዝ፥ ምስ ቤት ሕክምናኻ ርክብ ክትገብር ንሕብረካ።

ደው ንኽተብል ዚድርኹ ምኽንያታት

ትምባኾ ንምጥቃም ደው ንምባል ክትመርጽ ዚድርኹ ብዙሓት ምኽንያታት ኣሎዉ እዮም። እቲ ምሳና ርክብ ንምግባር፡ ብናይ ሓኪም ምኽሪ ይኹን ወይ ብናይ ጥዕናኻ ስክፍታ ይኹን ወይ ገንዘብካ - ካብ ኣብ ሽጋራስ ኣብ ዝሓሸ ቁም-ነገር ንምውዓል ብምድላይካ ይኹን ብዘየገድስ፥ ምሳና ንኽትዛረብ ዕዱም ኢኻ። ንብዙሓት ሰባት እዚ ነገር’ዚ፥ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ንምምጻእ ዝናፍቕዎ ነገር’ዩ። ንኻልኦት ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ክኸብዶም ይኽእል’ዩ። ንኻልኦት ድማ፡ ክልቲኡ ስምዒታት ኪኾኖም ይኽእል እዩ።

ሽጋራ ደው ኣብ ምባል ዚፍጠሩ ሕውስዋስ ስምዒታት

መብዛሕትኦም ሽጋራ ንምስታይ ደው ንምባል ዚሓስቡ ሰባት፥ ቅድሚ ምጅማሮም ሕውስዋስ ስምዒታት ይፈጥረሎም’ዩ። ኒኮቲን፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ናይ ወልፊ ስምዒት ዘበጋግስ’ዩ። ትምባኾ ምጥቃም፡ ሓደ ናይ ዕግበት ስምዒት ዚህብ ኪኸውን ከሎ፥ እንተ ዘይሰቲኻ ድማ፡ ናይ ምቝልውላው ስምዒት ዚፈጥር’ዩ። ብዙሕ ጊዜ፡ ዋላ ውን እቶም ኣብ ህይወትካ ከጋጥሙ ዚኽእሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እናተረድኡኻ ክንሶም፥ ትምባኾ ምጥቃም ከም ትቕጽሎ ዚገብር’ዩ። ንምቁራጹ ኵሎም ናይ ዓለም ምኽንያታት’ኳ እንተ ኣሎዉኻ፥ ከምዘይክኣል ኰይኑ ኪስምዓካ ይኽእል’ዩ። እቲ ጽቡቕ ወረ ግን፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ምህላዉ እዩ። ንሕና፡ መታን ነቲ ኣብ ህይወትካ ክትበጽሖ ትደሊ ምቅይያራት ክተማልኦ ክትክእል ንኽክንሕግዘካ፥ ብቪደዮ ዝተደገፈ ኣገባብ ኢና ንጥቀም። ኣብ ውሽጡ ድማ፡ ነቶም ከጋጥሙኻ ዚኽእሉ - ስነ-ኣምሮኣዊ ይኹን ኣካላዊ ብድሆታት ትረኽቦ ደገፋት ውን ዘጠቓልል እዩ።

ሽጋራ ደው ብምባልካ ዚርከቡ ጥዕናዊ መኽሰባት

ትምባኾ ብዙሓት ጐዳእቲ ዝዀኑ ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ እዩ። ሽጋራ ምስታይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና - ንጥዕና ህዝቢ ዝጓድሉ ዓበይቲ ሽግራት እዩ። እቶም ምስ ምስታይ ሽጋራ ዝተሓሓዙ ሕማማት፥ እቶም ልሙዳት ንዕምሪ ወዲ ሰብ ዘሕጽሩ ምኽንያታት እዮም። ምስታይ ሽጋራ፡ ንሓደጋ ካንሰር ክብ ዘብል፥ ሕማም-ልቢን መገዲ-ደማት ዘምጽእ፥ KOL (ሕዱር መዕበስቲ ሳምቡእ) ዘስዕብ፥ ሕማም ሽኮር ከምኡ ውን ጠንቂ ብዙሓት ካልኦት ሕማማት ኪኸውን ዚኽእል እዩ። ሽጋራ ምስታይ ደው ብምባልካ፥ ነቶም ብጠንቂ ሽጋራ ኪመጹ ዚኽእሉ ሕማማት ክትንክዮም ትኽእል ኢኻ።

ብተዘዋዋሪ-መገዲ ሽጋራ ምስታይ

ባዕልኻ ሽጋራ ከይወላዕካ፡ ካልኦት ሰባት ካብ ዝወልዕዎ ሽጋራ ዝወጸ ትኪ ምትንፋስ፥ ”ተዘዋዋሪ-ሽጋራ-ምስታይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሰባት ንነዊሕ ጊዜ ብተደጋጋሚ ንነፍሶም ኣብ ከምኡ ምስ ዘቃልዕዋ፥ ልክዕ ከምቲ “ንሰታይ-ሽጋራ” ዘጋጥሞ ናይ ጥዕና ምስኣን ሓደጋ፥ ንዓኣቶም ውን ከምኡ የጋጥሞም’ዩ። ዋላ’ኳ እቲ ናይ ሓደጋ ኣጋጣምነት ውሕድ ዝበለ እንተ ዀነ። ብፍላይ ቆልዑ ድማ፡ ተነቀፍቲ ብምዃኖም፡ ንኸምኡ ዝበለ ዓይነት ትኪ እንተ ደኣ ተቓሊዖም፥ ብሕማም ኣዝማ፡ ብኣለርጂ፡ ብሕማም-እዝኒ ወይ ብረኽሲ-ሳምቡእ ኪጥቅዑ ይኽእሉ እዮም።

”ፒፓ-ማይ” ተትክኽ ዲኻ?

ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ “ብማይ-ፒፓ” ተትክኾ ሽጋራ፥ ዝተሓተ ሓደጋ ዘሎዎ ዚመስሎም ኣሎዉ። ይኹን እምበር፡ ልክዕ እቶም ኣብ ትኪ ናይ ሽጋራ ዘሎዉ ጐዳእቲ ንጥረ-ነገራት፥ ንሳቶም ኣብኡ ውን ኣሎዉ እዮም። ገለ ካብኣቶም ድማ፡ ኒኮቲን፡ ናይ ከሰል ሎጎግታ፡ ካርቦን-ሞኖኦክሲድ፡ ከበድቲ-ሜታል ወዘተ እዮም። እቲ ማይ፡ ነዞም ትሕዝቶታት’ዚኦም ኣየጽርዮምን እዩ። ሓደ ሰብ ”ፒፓ-ማይ” ምስ ዚሰቲ፡ ብዙሕ ዝዓቐኑ ትኪ’ዩ ዚፍጠር፥ እዚ ድማ፡ ነቲ ዘትክኽ ሰብን ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘሎዉ ሰባትን ዚጐድእ እዩ።

ትምባኾ ምጥቃም ብኸመይ ተቋርጾ?

እቲ ዝበለጸ ትምባኾ ምጥቃም ናይ ምቁራጽ ኣገባብ፥ እቲ ጠሪስካ ደው ንኽተብሎ ዝገብረካ ነገር’ዩ። እቲ ከምኡ ንምግባር ዚሕግዝ ነገራት፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለል ይኽእልዩ። እዚ’ዩ እቲ ሓደን - እቲ ልክዕን እትብሎ ኣገባብ የልቦን’ዩ። እቲ ነገር፡ ነቲ ትምባኾ ናይ ምጥቃም ዘሎካ ናይ ህርፋን ስምዒት ክትቆጻጸር ናይ ምኽኣል ኣገባብ’ዩ። ነቶም ሽጋራ ንምስታይ ዘሎዉኻ ሓሳባትን ስምዒታትን፥ ወሰንቲ ከም ዘይኮኑ ጌርካ ንኽትቀበሎም ክትምሃር’ዩ። ወልፈኛ-ትምባኾ እንተ ደኣ ዄንካ፥ እቲ ትገብሮ ለውጢ ገለ ምጽማም ንኽትገብር ዝጠልበካ እዩ።

ኣቐዲምካ መደብ ኣውጽእ

እቲ ደው ንምባል ዝጥለብ ጻዕሪ፡ ዓቢይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ሓደ ፍሉይ ኣብ ህይወትካ ዝሰማምዓካ ጊዜ መሪጽካ ምውሳን ጽቡቕ’ዩ። ሽዑ ድማ፡ እቲ ትግባረ ሓደ መስርዕ ኪሕዝ’ዩ። ተረዲእካ ንኽትስዕቦ ድማ ዝቐለለ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ብስነ-ምርምር ከም ዝተረጋገጸ፡ ነቲ ዚግበር ምቅይያር፡ ምስ ሓድሽ ናይ ምጅማር መደብ እንተ ኣሳሲርካዮ፥ እቲ ንኽትዕወት ዘሎካ ተኽእሎ ክብ ዝበለ እዩ። ንኣብነት ዕለት-ልደትካ ተኽረሉ ወይ ኣብ ምስግጋር ሓድሽ ዓመት፥ ዋላ ውን ምስ ምጅማር ሓደ ሓድሽ ሰሙን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ጽቡቕ ኰይኑ ዝተሰምዓኒ ዕለት ክገብሮ’የ እናበልካ ምጽባይ ግን፥ ከይገብርካዮ ነዊሕ ጊዜ ኪወስድልካ ይኽእል’ዩ።

ምድላዋት

እንተ ደኣ ቅድሚ ደው ምባልካ ምድላዋት ጌርካ፥ እቲ ንኽትዕወት ዘሎካ ተኽእሎ ክብ ኪብል’ዩ። እቲ ምድላዋት ክኣ ንኣብነት፥ ነቲ ህርፋንካ ናይ ምቁጽጻር ልምምድ ምግባር፥ ኣብ ከባቢኻ ዘሎዉ ሰባት ኪሕግዙኻ ምሕታት፥ ንኣማኻሪኻ ምኽሪ ምሕታት፥ ከምኡ ውን መድሃኒት ምርካብ ማለት ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ሓደ ካብቲ ምድላዋትካ፥ ሽጋራ ምስታይ ኣጻጋሚን ከም ዘይስሕበካን ከም ዚኸውን ምግባሩ’ዩ። ምስኡ ውን፡ እቲ ሽጋራ ዘይምስታይ፡ ከም ሰሓቢን ከም ኣዕጋቢን ከም ዚኸውን ምግባሩ እዩ። ንኣብነት፡-

  • ሓደ ዘይምቹእን - ብቐሊሉ ዘይርከብን ናይ ሽጋራ መሰተዪ ቦታ ምረጽ።
  • ንዅሉ’ቲ ሽጋራ ዚሽትት ዘበለ ነገራት ኣጽርዮ።
  • ንነፍስኻ ብኸመይ ከም ትርድኣን - እንታይ ዓይነት ህይወት ክትነብር ከም ትደሊን ሕሰብ። ኣብዚ ሓሳባት’ዚ፡ ነቲ ካብ ምስታይ ሽጋራ ነጻ ምዃንካ ውን እንተ ተኻቲቱ፥ ንሱ፡ ሓደ ካብቲ ሽጋራ ንምስታይ ትገብሮ ምቝጣብ ንኺፍጸመልካ ዚገብር እዩ።
  • ነቲ ሽጋራ ናይ ዘይምስታይ ስምዒት ተነየተሉ፥ ነቶም ኣብ ኣካላትካ ዘጋጥሙ ጽቡቓት ነገራት ውን ኣስተውዕለሎም። ብቕልጡፍ ከጋጥሙ ክትርእዮም ኢኻ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስን - ሓፈሻዊ ምኽሪን

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ማለት፥ ተንቀሳቒስካ ገለ ካብቲ ዘሎካ ሓይሊ ምህላኽ ማለት’ዩ። ኵሉ ዓይነት ኣካልዊ ምንቅስቓሳት ጽቡቕ’ዩ። ክልቲኡ፡ ማለት እቲ መጠነኛን እቲ ሓይል ኣካላዊ ምንቅስቓስን፥ ንጥዕናኻ ዘመሓይሽ’ዩ። ኣብቲ ሽጋራ ምስታይ ደው ተብለሉ ጊዜ ድማ ደጋፊ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ንሱ ልክዕ ከምቲ ናይ ኒኮቲን፡ ነቲ ኣካላትካን ነቲ ናይ ኣእምሮኻ ናይ መከሓሓሲ-ስርዓትን የነጣጥፎ እዩ። ኣካላዊ ንጥፈታት፡ ነቲ ምልክት ስምዒተ-ምሕራምን ርውየተ-ኣልቦ ስምዒትን ንምቅላል ዚሕግዝ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ እቲ ኣካላዊ ንጥፈታት፡ ነቲ ሽጋራ ናይ ምስታይ ህርፋን ዘዐግስ ሓደ ጥዕናዊ ኣገባብ እዩ።

ካልኦት ተወሰኽቲ ምኽሪታት፡-

  • መታን ነቲ ናይ ደምካ ሽኮር ምዕሩይ ክትገብሮ - መደብ ናይ ኣመጋግባ ኣውጽእ።
  • ካም ዋሕዲ ፈሳሲ መታን ክትድሕን - ደጋጊምካ ማይ ስተ።
  • ሽጋራ ንምዕዳግ ኢልካ፡ መተካእታ ኒኮቲን ወይ ካልእ መድሃኒት ክጥቀም የድልየኒ’ዶ ኢልካ ኣመዛዝን።

ንነፍስኻ ሕያዋይ ኵነላ

እቲ ወልፊ ትምባኾ፡ ናይ ኣካላትካ ለውጢ ንኸይትገብር ዝዕንቅፈካ እዩ። ኣብ ምብዛሕትኡ ኵነትታት ድማ፡ ነቲ ናይ ቀጨውጨውነት ስምዒት ዚፈጥረልካ ንሱ’ዩ። እቲ ነዚ ስምዒት’ዚ ንምቅላስ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ ድማ፥ ተወሳኺ ስቓይ’ዩ ዚዀነካ።
እቲ ዝበለጸ ነዚ ቀጨውጨው’ዚ ንምእላዩ ትኽእል፥ ንነፍስኻ ጽቡቕ ጌርካ ምስ ትከናኸና እዩ። ናይ ስምዒት ጸገማት ኣብ ዘጋጥመካ ጊዜ፥ ንነፍስኻ ምስ ትሓልየላን ምስ ትከናኸናን፥ ነቲ ስቓይካ ክንክዮ ይኽእል እዩ።

  • ንነፍስኻ ብጽቡቕ ተኸናኸና፥ ንነፍስኻ ድማ ክተዛንያ ፈትን።
  • ንገለ ትፈትዎም ንጥፈታት ንምግባር ድማ መደብ ኣውጽእ።
  • ነቲ ዘሎካ ስምዒታት - ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ብዘየገድስ - ከም ዘሎዎ ተቐበሎ።

ስምዒት ምሕራም-ወልፊ

ኒኮቲን ሓደ ኣዝዩ ብርቱዕ ወልፊ ዝፈጥረልካ ነገር’ዩ። ኣብቲ ትምባኾ ትጥቀመሉ እዋናት፥ እቲ ኣካላትካ ድማ ነቲ መመሊስካ ትገብሮ ናይ ኒኮቲን ምምላእ፥ ከም ልሙድ ስምዒት ጌሩ ንኽወስዶ ዝተቓነየ እዩ። እዚ ማለት ድማ፥ ኣብቲ ሽጋራ ምስታይ ተቋርጸሉ ጊዜ፥ ኣካላትካን ኣእምሮኻን ድማ፡ ከም ብሓድሽ ምስኡ ዝተቓነየ ኪኸውን የድልዮ እዩ። ስምዒት ናይ ምቝጣዕ፡ ድኻም፡ ሓሳብካ ዘይምእርናብ፡ ስምዒት ውድቀትን ሸቐልቀልን ከጋጥመካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ቃንዛ ርእሲ፡ ምርሃጽ፡ ዘይምርግጋእ ከስዐን ካልእ ሓፈሻዊ ናይ ቀጨውጨውነት ስምዒት እዩ።

ንሓዋሩ ከም ዝገደፍካዮ ክትገብር ምኽኣል

ካብ ትምባኾ ምሕራም፡ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ በዳሂ ነገር’ዩ። እቲ ሽጋራ ምሕራም፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት ብዙሕ ዝጠልበካ ነገር ኣሎ’ዩ። እቲ ሽጋራ ናይ ምስታይ ተዘክሮ ውን፥ ብድሕሪ ሽጋራ ምሕራምካ ውን፥ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ኣካላትካን ተዓቚሩ ይጸንሕ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ሰዓት፡ ብርቱዕ ሽጋራ ናይ ምስታይ ባህጊ ህሩግ ክብለካ ይኽእል’ዩ። ምናልባት ከምዚ ዓይነት ስምዒት፥ ቅድሚ ሕጂ ውን ኣጋጢሙካ ወይ ውን ሽግር ፈጢሩልካ ኔሩ ይኸውን’ዩ። ግንከ፡ ዋላ’ኳ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ህሩግ እንተ በለካ፥ ካብቲ ብመደብ ዝጀመርካዮ መገዲ ኣይትፈንተት። ነዚ ድማ ኣቐዲምካ ተቐሪብካሉ ክትጸንሕ ጽቡቕ እዩ።

ነቶም ነዚ ሽጋራ ናይ ምስታይ ስምዒታት ከበጋግሱ ይኽእሉ’ዮም ኢልካ ትጥርጥሮም ኵነታት ኣስተውዕለሎም። ስለዚ ካልእ ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ኣማራጺ ጠባያት ከም ዚህልዉኻ ንምግባር መደብ ኣውጽእ። ሓደ ክትዝክሮ ዘሎካ፡ ስምዒት ሽጋራ ናይ ምስታይ ውን ንኺምለሰካ፥ ዘይልሙድ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል እዩ። ስለዚ፡ ካባና ምኽሪን ደገፍን ንምርካብ ክትራኸበና ትኽእል ኢኻ።

ምሳና ርክብ ግበር

ሽጋራ ምስታይ፡ ዋላ’ኳ ከቢድ ኮይኑ እንተ ተሰምዓካ፥ ንኽተቋርጾ ግን ይክኣል’ዩ። እቲ መስርሕ ናይ ምሕራሙ ጊዜ ኪወስድ ይኽእል’ዩ። ኣብቲ መገዲ ውን ብዙሕ ኣጻጋምነት ኪፍጠር ይኽእል’ዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ክኢላታት ሰባት ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል ድማ ኣይትዘንግዓዮ። ኣብቲ ትገብሮ ጕዕዞ፡ ብስነ-ምርምር ዝተደገፈ ሓገዝ ስለ ትረክብ፥ ነቲ ንምዕዋት ዘሎካ ዕድል ክብ የብሎ እዩ። ምሳና ርክብ ንኽትገብር ወትሩ ዕዱም ኢኻ።

Contact form

እንታይ ዓይነት ሓገዝ’ዩ ዘድልየካ?
ምስ ”Sluta-röka-linjen” ንምዝርራብ ክትጥቀመሉ ትደሊ ቋንቋ ምረጽ?

 

ናትና ቁጽሪ ቴሌፎን

020-84 00 00